ወቕቲ ሓጋይ፡ ኣዝዩ ዝሑል ኲነታት ኣየር ሒዙ ይመጽእ ምስ ምህላዉ፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታት ትኣቱ ምህላዋ ተገሊጹ።
ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን፡ ድርቂ ኣትዩ ምህላዉን ናብ ኣዝዩ ሕማቕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይሰጋገር ስግኣት ዓሲሉ ከም ዘሎን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ካብ ከተማ ካቡል ንምዕራብ ኣብ 50 ማይል ርሕቀት ዝርከብ ማይደን ዋርዳክ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ሰብኡት ካብቲ ብ WFP ዝተዳለወ መዐደሊ ነቚጣ ሓርጭ ክወስዱ ተኣኪቦም ምህላዎም እቲ ዜና ኣቃሊዑ። ወተሃደራት ጣሊባን ነቲ እኩብ ሰብ ጸጥ ክብል እኳ እንተገበሩ እቶም ንረድኤት ብቚዓት ኣይኮንኲምን እተባህሉ ግና ፍርሂን ቊጥዐን ይረኣዮም ምንባሩ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
WFP ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘለዉ፡ 22 ሚልዮን ሰባት፡ ንምሕጋዝ ሃብታማት ሃገራት ነቲ ማዕከን ከወፍያ ሓቲቱ’ሎ።