ኣፍሪቃ: ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19 ኣብ ምምካት ከም እትርከብ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። በዚ ድማ ዝያዳ ሰባት ጽረ ኮቪድ ክትባት የድልዮም ኣሎ–ኢሉ እቲ ውድብ።
ብኮቪድ ዝተለኽፉ ኣፍሪቃውያን ቊጽሮም ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ምሕላፉን ብውሕዱ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትባተን ከም ዝወድኣን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።
“ኣፍሪቃ ብዘይወዓል ሕደር ሚልዮናት ዶዛት ክትባት የድልያ ኣሎ” ዝበለ ድማ ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ማትሺድሶ ሞዌቲ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ሞሮኮ፥ ቱኒስያ፥ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ኣሃዝ ሕሙማት ኮቪድ ኣመዝጊበን ኣለዋ።
ኣብ ኡጋንዳን ናሚብያን ሳልሳይ ማዕበል እዚ ሕማም ተኸሲቱ መዓልታዊ ዓሰርተታት ሰባት ይሞቱ ምህላዎምን ድማ እቲ ውድብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ዛጊት ኣብ መላኣ ኣህጒር 136,036 ሰባት በዚ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክቱ።
ጅር ዴልታ ኣብ 14 ሃገራት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እተራእየ ቤታ ኸኣ ኣብ 25 ሃገራት ሰባት ይልብድ ኣሎ።
ዶዛት ክታበት ኣዝዩ ተደላዪ እኳ እንተሃለወ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ዶዛት መዓስ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝለኣኽ ርጉጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።