ቤት ማእሰርታት ሽወደን ብሰንኪ ሕጽረት ብቑዓት መማህራን ነቶም ክመሃሩ ዝደልዩ ፍርዶም ዝፍጽሙ ዘለዉ እሱራን እኹል ኣገልግሎት ከቕርብ ከምዘይከኣለ ይሕብር። ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ቤት ማእሰርታት ብወገኑ ውን ብሰንኪ ብዝሒ እሱራን ምውሳኹ ሕጽረት ናይ መምሃሪ ቦታታት ከም ዘጓነፎ ጥርዓኑ ኣቕሪቡ። ብዝሒ እሱራት ተማሃሮ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብኣስታት 500 ኣባላት ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ እሱራት ተማሃሮ ኣስታት 2600 ኣባላት ከምዝነበሩ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር። ውሑዳት ዘይኮኑ እሱራት ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኽቡን እዮም ኣብ ገለ ቤት ማእሰርታት ድማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ እሱራት ብሰንኪ ተመሳሳሊ ምኽንያት ሕልሞም ክሰምረሎም ኣይከኣለን ትብል ሊና ፕሮ፡ ሓላፊት ትምህርቲ ንመንእሰያት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ቤት ማእሰርታት ምስ ሬድዩ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ።
ቀረብ ብቑዓት መምህራን ኣብ ምሕደራ ቤት ማእሰርታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ሕሉፍ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሽ ኩነታት ከምዝርከብ ይንገር። እንተኾነ ሕጽረት ብቑዓት መማህራን ጌና መፍትሒ ዘይተረኽቦ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ብደሆ እዩ።