ትማል ሓሙስ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቤላሩስን ትርር ዝበለ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ወራር ብምሉእ ፍቓድን ምትሕብባርን ቤላሩስ ይግበር ብምህላዉ ቤላሩስ እውን ኣብዚ ኣገዳታት ክትኣቱ ተጌራ’ላ።
እዚ እገዳታት “ንጽላታት ፋይናንስ፡ ጸዓት፡ መጓዓዝያ፡ ምቊጽጻር ሰደድ፡ ፋይናንስ ሰደድን ፖሊሲ ቪዛ’ ዝምልከት ኮይኑ ብዘይካዚ ዝርዝር ገለ ሩስያውያን ዜጋታት እውን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ።