ሽወደን ናብ ቻይና ብዛዕባ ዝግበር ጒዕዞ ኣመልኪታ፡ ኣኼባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጸዊዓ። ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ናብ ቻይና ንዝጎዓዙ ሰባት ብ “ወሃቢ ግብረመልሲ ንቅልውላው” ዝተባህለ ኣሰራርሓኡ ኣቢሉ፡ ሓባራዊ ሕጊታት ከተኣታቱ ከም ዝግባእ ብምምልካት እያ ሽወደን፡ ሎሚ ረቡዕ እዚ ኣኼባ ክግበር ጸዊዓ ዘላ። ኣብ ቻይና ለበዳ “ኮቪድ-19” ደጊስዎ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ እዚ ኣብ ቻይና ተኸሲቱ ዘሎ ደግሲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንሽወደን ብኸመይ ክጸልዋ እዩ ክግምግም፡ ከመይ ዝበሉ ስጒምቲታት ክውሰዱ ከም ዝግብኦም ከኣ መምርሒታት ከዳሉ፡ ብመንግስቲ ጻውዒት ቀሪቡሉ’ሎ።