ሃገራት ሸንገን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚረን ዜጋታት እዘን ሃገራት ንዘይኰኑ በጻሕቲ ዝምልከት ኣብ ስርዓተ ቪዛ ገለ ለውጢታት ክገብራ ምዃነን ኣብ ስምምዕ ምብጽሐን ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሓደስቲ ስጒምቲታት ንኸምዚ ካናዳ ማሌዥያ ዝእመሰላ ሃገራት ዝርከብአን 60 ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እዩ። እዚ ሓበሬታ ጒዕዞ ኣውሮጳ ዝተሰምየ ኣገባብ . ኲባንያታትን ሰብ ብርኪን ብኦንላይን ቪዛ ክሓቱን ዝጸንሕሉ ግዜ ድማ ናብ 90 መዓልታት ሸንገን ኤርያ ጥራይ ክውሰን ዝብል እውን ይርከቦ። እዚ ሕጊ ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝማዕበለ ኮይኑ ካብ ዓመተ 2021 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። እዚ ኣገባብ ምስቲ ኣመሪካ ዘተኣታተወቶ ስርዓት ዝመሳሰል እዩ።
እዚ ስርዓት ንኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሸንገን ዝምልከት ከም ዘይኰነ ኸኣ ተሓቢሩ’ሎ። ኣባላት ሕጋዊ ፓስፖርት ሒዞም ክንቀሳቐሱ ድማ ይድንግግ። ተጓዓዛይ ብኦንላይን ብ ዝገብሮ ሕቶ ቪዛ ናይ ብዛዕባ መንነቱ ምሉእ ሓበሬታ ክህብ ከም ዝሕተት ድም ተፈሊጡ። ድሕሪዚ እቲ በዓልመዚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ጸጥታዊ ምጽራይ ድሕሪ ምግባር መልሲ ከም ዝህብ ድማ ተገሊጹ።
እዚ ስርዓት ዝምልከተን 60 ሃገራት እዘን ዝስዕባ እየ፡Albania, Andorra, Antigua and Barbuda, Argentina, Australia, Bahamas, Barbados, Bosnia and Herzegovina, Brazil, Brunei, Canada, Chile, Colombia, Costa Rica, Dominica, El Salvador, Georgia, Grenada, Guatemala, Honduras, Hong Kong, Israel, Japan, Kiribati, Macao, Macedonia, Malaysia, Malaysia, Marshall, Macaroni, Mauritius, Black Sea Saint Vincent, Samoa, Serbia, Seychelles, Singapore, Solomon Islands, South Korea, Taiwan, Timor-Leste, Tonga, Trinidad and Tobago, Tuvalu, Ukraine, United Arab Emirates, United Kingdom, United States of America, Uruguay, Vanuatu ከምኡ’ውን Venezuela.