ቫይረስ ኮሮናን ሓድሽ ዓሌቱ ኦሚክሮንን ንምቅላስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ግድነታዊ ምውሳድ ክታበት ከተኣታትዋ ከም ዝግባእ፡ ሓላፊት እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲባ። ክታበት ምውሳድ ነዚ ኣዚዩ ተላባዒ ሓድሽ ጅር ንምክልኻል ኣዝዩ ወሳኒ ክኽውን እዩ ክትብል አርሱላ ቮን ደር ሊየን ሓቢራ’ላ።
ዛጊት ሓደ ሲሶ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከም ዘይተኸትበ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣስሚራትሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ክልተ ደርዘን ዝኾና ሃገራት፡ ጅር ኦሚክሮን፡ ከም እተራእየን ድሕሪ ምግላጸን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ኣትሪሩ ኣሎ። ኣብ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ሰባት ግዴታዊ ክታበት ክወስዱ ብኸመይ ምትብባዕ ከም ዝከኣል ዘተ ምግባር ኣድላዪ እዩ ክትብል ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዝሓበረት፡ አርሱላ፡ እዚ ጒዳይ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
እዚ እናኾነ፡ ዝበዝሑ ዛጊት ዝተራእዩ ለበዳታት፡ ኦሚክሮን ፍዂስ ዝበለ እዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ’ሎ።