እዚ ብ ዩሮፖል ዝተወሃሃደ ስርሒት ፖሊስ ኣህጒራዊ መርበብ ቀርሰና ንምብታኽ ሚልዮናት መሸጣ ምዝገባ መስመር ተሌቪዥን ንምቊጽጻር ዘንቀደ እዩ ክብል SVT ሎሚ ሓቢሩ።
ኣብዚ ስርሒት ካብ ሽወደን ጥራይ 60 ኣባላት ይሳተፉ ምህላዎምን ዛጊት ኣማኢት ኣድራሻታት ተሌቪዥን ብምክትታል ምርካቦምን ተገሊጹ። ካብዚ ቀርሰና ተሊቪዥን ገበነኛታት ገዚፍ መኽሰብ ከም ዝግሕጡ ይፍለጥ። ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ መርበብ ተሌቪዥን Iptvking ኮይኑ ክሳብ 30 ሽሕ ዝበጽሑ ተመዝገብቲ ከም ዝነበርዎን ሚልዮናት ኣታዊ ከም ዝነብሮን ዝፍለጥ እዩ።
“ኣብ ሽወደን እዚ መርበብ ኣብ ክልተ ዓመታት ጥራይ ክሳብ 46 ሚልዮን ዝኸውን ኣታዊ የምጽእ ኔሩ” ዝበለት ተሓጋጋዚት ጠበቓ ሃገራዊ በዓልመዚ ምክልኻል ኣህጒራዊ ገበን ኣና ጂነር እያ።
“ዓመታዊ ክፍሊት 1500 ክሮና እዩ” ። እዚ ገንዘብ ናበይ ከም ዝኣቱ ኣይንፈልጥን ኢና። ሕሱር ናይ ተሊቪዥን መርበብ ኣሎና እናበሉ እዮም ዝሸጥዎ ዘለዉ። ስለዚ ድማ ከምዚ እንከጋጥመኩም ንመን ትሕግዙ ምህላውኩም ምሕሳብ ከድልየኩም እዩ” ድማ ኢላ።
ፖሊስ ብዛዕባ እዞም መርበባት ካብ 2017 ጀሚሩ ጸብጻብ ምቕባሉን እንተኾነ ግና ናብ ትግባረ ኣብ ምንቅስቓስ ምድንጓዩ ዝገልጹ ኣለዉ።
“ከምዚኦም ዓይነት ገበናት ቀለልቲ ኣይኰኑን። ዓማዊል ገንዘቦም ናበይ ይኸይድ ብዛዕባ ምህላዉ ብዙሕ ግዲ ኣይገብሩን እዮም።
ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገበናት ብጥብቂ ከይንከታተሎም ዝገብር ሕጽረት ሓጋጊ ኣካል እውን ኣሎ”።
ፖሊስ ዛጊት ሰለስተ ሰባት ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላዉን ናይ 264 ሚልዮን ክሮና ካሕሳ ክሕተቱ ከም ዝኽእሉን ተፈሊጡ።
ብምልኦም ገበነኛታት ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ከምዘይቅበልዎ ሓቢሮም ኣለዉ።