ኣፍጋናዊት ጋዜጠኛ: ኣኒሳ ሻሂድ: ሓንቲ ካብተን ምምጻእ ጣሊባን ኣብ ስርሐንን ትምህርተንን ሽግር ክፈጥረልና እዩ ኢለን ዝኣምና ብዙሓት ደቀንስትዮ እያ።
ንሳ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብ Afghanista’s Free Speech Hub ብልጽቲ ጋዜጠኛ ናይዚ ዓመት ተባሂላ ተረቚሓ እያ። ኣብታ ኲናት ዘይፍለያ ኣፍጋኒስታን: ጋዜጠኛ እሞ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ምዃን ድርብ ሓደጋ እዩ። እንተኾነ ግና: ኣኒሳ: ምስ ሞያኣ ዘለዋ ፍቕሪ በዚ ዝጸዓድ ኮይኑ ኣይተረኽበን።
ኣብ ዘመነ ጣሊባን ተወሊዳ ዝዓበየት ኣኒሳ: “ኣብ ዓድና ዘሎ ኲነታት: ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎና” ትብል። ኣብ ትሕቲ ጣሊባን: ደቀንስትዮ: ክሰርሓን ክመሃራን ከም ዘይፍቀደለን ይፍለጥ።
ኣኒሳ: ብንእሽቶኣ ዝነበራ ሕልሚ ንምምላእ: ጣሊባን ካብ ስልጣን ምስ ተሰጉ: ናብ ዩኒቨርሲቲ ካቡል ኣትያ።
ኣኒሳ: ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ምዃን ዘለዎ ብድሆ እንክትገልጽ ” ኣቦይ መምህር ክኸውን እዩ ዝደልየኒ ኔሩ። ኣነ ግና ነቦይ ጋዜጠኛ ምዃን እየ ዝደሊ፥ እዚ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቤተይ ምውዓል እየ ዝመርጽ” ብምባል ሓንጊዳ ነቲ ሞያ ከም ዝተተሓሓዘቶ ትገልጽ።
ድሕሪ’ዚ: ምስ ዝዓበየ መርበብ ሚድያ ኣፍጋኒስታን ክትሰርሕ ጀሚራ።
ኣቦይን ኣደይን ንሞያይ እኳ እንተተቐበልዎ: ብዛዕባ ውሕስነተይ ግና ብዙሕ እዮም ዝጭነቑ። ብዘይካ’ዚ: ጓል ኣንስተይቲ ብምዃነይ ጥራይ ዝበጽሓኒ ኣድልዎ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ በዓልመዚ: ምሳኺ ቃለመሕትት ኣይገብርን ኢሊ ኣብዩኒ ብምባል ትዝክር።
ኣኒሳ: ዛንታ ወጽዓን ኣድልዎን ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ከተዘንቱ ዓብዪ ባህጊ ከም ዘለዋ ድማ ሓቢራ።