ኣብ 2022 ዝወጹ ኣስታት 27,000 ፓስፖርትን 6,000 መለለዪ ወረቓቕትን ብዋናታቶም ስለ ዘይተወስዱ፥ ክስረዙ ከም
ዝኽእሉ ተገሊጹ። “እዚ ቊጽሪ ኣዝዩ ልዑል እዩ” ዝበለ ኣፈኛ ፖሊስ ስቴፋን ማርኮፖሎ፡ ኣመልከትቲ ፓስፖርቶም ብዝቐልጠፈ
ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ። ዓሚ ሕጊታት ለበዳ ምስ ተላዕሉ፥ ብዙሓት ሰባት ፓስፖርቶም ከሐድሱ ከም ዘመልከቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፥
ፖሊስ ብሰንኪ ኣዝዩ ብዙሕ ቊጽሪ ኣመልከትቲ ኣብ ጸቕጢ ምንባሮም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።
ኣመልከትቲ ስለምንታይ ፓስፖርቶም ከም ዘይወሰዱ ከም ዘይፈልጥ፡ እንተኾነ ግና ፓስፖርት ንምሕዳስ ዝነበረ ናይ ትጽቢት ግዜ
ንውሕ ዝበለ ምንባሩ ምኽንያት እዚ ክስተት ክኸውን ከም ዝኽእል፥ ማርኮፖሎ ይግምት። ሰባት ነቲ ዝነበረ ነዊሕ ሰልፊ
ብምርኣይ፥ ካልእ ግዜ ክመጹ ዝወስኑ እዩ ዝመስል፥ እንተኾነ ግና ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሱን ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።