ኣብ 2019 በዓልመዚ ኢሚግሬሽን 481 ሰባት ብዘይሕጊ ናይ ምስጋር ንጥፈታት ብጠርጠራ ተታሒዞም ምህላዎምን እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ብ 100 ከም ዝዓቢ ተገሊጹ። ኮፒ ናይዚ ጸብጻብ ዝበጽሓ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ እቲ በዓልመዚ ሊሳ ሆልተን ክኑታስ ” እዚ ዘይሕጋዊ ተግባት ብጠርጠራ ኣብ ምሓዝ ኣሰራርሓና ኣመሓዩሽና ኣሎና” ኢላ።
ጻዕርታት በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ሰራሕተኛታቱ ዝያዳ ኣጠራጠርቲ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰብ ንኸለልዩ ከም ዝሓገዞም ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እዚ ንጥፈት እናወሰኸ ክመጽእ ምጽንሑ ወሲኹ ኣብሪሁ። ንሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምብዝባዝ ዓብዪ ገበን ምዃኑ ኩንታስ እዚ ዕዮ ኣገዳሲ ዝገብሮ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ገበን ኣብ ምንቃስ ውጽኢታዊ ይኸውን ብምህላዉ እዩ ኢሉ። ንኣብነት ሓንቲ ናይጀርያዊት መንእሰይ ብምንዝርና ንኽትብዝበዝ ናብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክትሰግር ከም እተገብረ ጠቒሱ።
ንምንዝርና ዝግበር ዝይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እቲ ኣዝዩ ዝውቱር ዓይነት እዚ ገበን ምዃኑን እዞም ሰባት ኣብ ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ክምዝመዙ ዝገብር ኣሰራርሓ ምዃኑን ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ 2019 ዘይሕጋዊ ምስግጋር ቈልዑ ብዕጽፉ ምውሳኹ ድማ ተመልኪቱ። ኣብ 2018 ኣስታት 44 ዝነበረ ናብ 92 ምዕባዩን በዚ ድም እዚ በዓልመዚ ፍሉይ ናብ ምክትታል ኣገባብ ከእቱ ከም ዝቐሰቦ ድማ ተሓቢሩ። እዚ ናይ ምዝመዛ ኣገባብ ብዘይካ ኣብ ሽወደን ኣብ ፈረንሳ፥ ስጳኛን ዝዝውተር ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን ሊሳ ሆልተን ክኑታስ ኣመልኪታ። ካልእ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ከም ዝገለጾ ኣብ ሽወደን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑን ምስ ካልኦት ሰብመዚ ዘሎ ምትሕብባር እናዛየደ ምምጽኡን ድማ ተመልኪቱ።
ገለ ዝተጸብጸበ ጒዳያት ዓመተ 2019 ደቀንስትዮ፡ 266 ደቂተባዕትዮ: 123 ትሕቲ ዕድመ 92 (እንተላይ 18 ኣዋልድን 74 ኣወዳትን) ኣገባብ ምዝመዛ ንምንዝርና ፣202 ምምዝማዝ ዕዳጋ ሽቕለት : 179 ልመና: 5 ካልእ ዕላማታት፡ 54 ዘይንጹር ዕላማ፥ 86 – ገለ ሰባት ንብዝሕ ዝበለ ኣገባባት ምዝመዛ ተቓሊዖም ምጽንሖምን እዚ ጸብጻብ ንኹሉ ብምልኣት ዝውክል እዩ ተብሂሉ ከም ዘይሕሰብ በዚ ኣጋጣሚ ምምልካት ኣገዳሲ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ’ሎ።