ብመሰረት ግምገማ ኖቩስ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሶሻል
ደሞክራት ተቐባልነቱ ክብ ከምዝበለ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ተቐባልነት ሰልፊ ሶሻል
ደሞክራት ብልዕሊ 30 ሚእታዊት ደገፍ ከምዝረኸበን፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝነበሮ ብኣስታት 7 ሚእታዊት ከምዝወስኸ እዩ እዚ ጸብጻብ ዝሕብር።
ይኹንምበር እቲ መላፈንቱ ዝኾነ ስለፊ ሓምላይ ደገፉ ካብቲ 4 ሚእታዊት ንታሕቲ ከምዝወረድ ሓቢሩ፡ በዚ መሰረት ክላወ እዚ ሰልፊ ኣብ ባይቶ ንኺጸሕ ኣስጋኢ ከምዝገብሮ ይጽብጽብ። ብ ካልእ ተቐባልነት ደገፍ ሰልፊ ስቨርየ ደሞክራተርና ኣዝዩ ከምዘንቖልቖለ ሓቢሩ። እዚ ሰልፊ ኣብ ወርሒ
ለካቲት 23.9 ሚእታዊት ተቐባልነት ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ 19.7 ሚእታዊት ወሪዱ ኣሎ።