ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣብ ማእከላይ ዮተቦሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት ቆልዓ ብዘይ ምኽንያት ብስሕለት
መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ ን14 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እታ ሆላንዳዊት ህጻን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ብሩንስፓርከን እዚ
መጥቃዕቲ ዝወረዳ እንዳ ኣባሓጎኣ እንዳ በጽሐት እዩ ኔሩ ። በቲ መጥቃዕቲ ከቢድ መቚሰልቲ እኳ እንተወረዳ ካብ ሞት ድሒና እያ
። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ ብፈተነ ቅትለትን ከቢድ መጥቃዕትን ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ነቲ ፍርዲ ምውሳኑ
ገሊጹ’ሎ።
ነቲ ሰብኣይ ነቲ ገበን ናይ እምነት ኮነ ክሕደት ቃሉ ኣይሃበን።