ኣስታት 50 ዝኾኑ ናይ ሕክምና (ሜዲካል) ተማሃሮ ኣብ ኮለጅ ካሮሊኒስካ ናይ ምቕጻል ተኽእሎታቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ተገሊጹ። እዚ ድማ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ተማሃሮ ንበይኖም ኮይኖም ኣብ ዝገበርዎ ፈተና ካብ ንቡር ንላዕሊ፡ ብዙሓት ተማሃሮ ኣብቲ ዝተኻየደ ፈተና መሕለፊ ነጥቢ ብምርካቦም እዩ። ዓመታዊ፡ ውሱን ቁጽሪ ተማሃሮ መሕለፍ ነጥቢ ዘይረኽቡ ክህልዉ እተን ዩኒቨርስታት ትጽቢት ነይርወን። እዚ ዓመት’ዚ ግን ትጽቢት ዩኒቨርሲታት ስለ ዘይሰመረ፡ ገለ ካብቶም ተማሃሮ ኣይክመሃሩን እዮም ክብል ዳግነስ ነሂተር ገሊጹ።
ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን እዩ። ንተማሃሮና ብጣዕሚ ዝጸሉ ኩነታት እዩ። ብፍላይ ነቶም ናይ ትምህርታዊ ሓገዛት ዝረኽቡ ዝነበሩ ተማሃሮና ክትብል ኣብ ካሮሊኒስካ ሓላፊት ናይ ሜዲካል ፕሮግራም ዝኾነት ሜሪ ዳህሊን ንጋዜጣ ዳግነስ ሓቢራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኮለጅ ካሮሊኒስካ፡ ነዞም ተወሰኽቲ ተማሃሮ ንመምሃሪ ዝኸውን እኹል ቦታታት ኣብ ምድላው ይርከብ። ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግን እቲ ግብራዊ ልምምድ (VFU) ዝካየደሉ ማእከል ጥዕና ወይ ድማ ሕክምና እዩ። ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆልም ንግብራዊ ልምምድ ዝኸውን ተወሰኽቲ ቦታታት ከነወሃህድ ኣይከኣልናን። ተወሰኽቲ ቦታታት ክርከብ እንተ ተኻኢሉ ግን እዞም ተማሃሮ ካብ ሓደጋ ምስጓግ ክድሕኑ እዮም።