ትሕት ዝበለ ሞያ ዘለዎም ሰባት ናይ ትምህርቲ ደገፍ ከይረኽቡ ዝነብሩ ኲነታት ዓንቂፍዎም ምጽንሖም እንተኾነ ግና ለበዳ ኮሮና ዝያዳ ዝተማህረ መንእሰይ ከም ዘድሊ እኹል ተመኲሮ ምሃቡ ተገሊጹ። እዞም ካብ ዕዳጋ ሽቕለት ዝተገለፉን ኣብ ትሕቲ 25 ዕድመ ዝርከቡን ሽማግለታትን ብልቓሕ ዘይኮነ ብሓገዝ ዝመሃርሉ ኣገባብ ክዳሎ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ጌሩ’ሎ። እንተኾነ ግና እቲ ገስጋስ ዝሕል ዝበለ ምዃኑን ክሳብ 6300 ዝኾኑ ሰባት ከምዚ ዝበለ ፕሮግራም ክተሓዘሎም ምዃኑን ድማ ተገሊጹ።
ምምሕዳራት ከተማ ንባዕለን ብዛዕባ እዚ ፕሮግራም ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ሓበሬታ ክቕበላ ምጽንሐን ሓደ ካብ ሽግራት ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ 2018 ነዚ ዕላማ ተባሂሉ ክሳብ 900 ሚልዮን ክሮና ተመዲቡ እኳ እንተነበረ ብሰልፍታት ክርስትያን ደሞክራትን ሞደራትናን እቲ ባጀት ኣብ 2019 ናብ 400 ሚልዮን ምውራዱን ኣብ 2020 ጨሪሱ ክግደፍ ተሓሲቡ ምንባሩን ድማ ተገሊጹ።
ብዘይካዚ ምምሕዳራት ከተማ ምስ ኣገልግሎት ሽቕለት ዝጸንሐን ምትሕግጋዝ ብሰንኪ ሰብመዚ ምትእጉጓሉ ዘመልከተ ካርል ጆሃን ስቶልት ሰባት ብዘይስራሕ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሑ ምግባር ካብ ንምህሮኦም ዝወጽእ ክሳራ ዝበዝሐ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ሚኒስተር ላዕለዋይ ትምህርቲን መጽናዕቲን ማቲልዳ ኤርንክራንስ 400 ሚልዮን ክሮና ነዚ ዕላማ ምምዳቡ ዘሐጒስ እዩ። ካብ ዕዳጋ ሽቕለት ተገሊፎም ንዝጸንሑ ሰባት ናይ ምህሮ ምድላው ክንገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክትብል ድማ ነቲ ፕሮግራም ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ’ላ።