ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾንን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ዔርዶጋንን ሎሚ ሶኑይ ተራኺቦም ብዛዕባ ሕቶ
ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክዘራረቡ እዮም። ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ዝመጽእ ሰሙን ብቱርክ ክጸድቕ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ያን ስቶልተንበርግ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ትካል ኣህጉራዊ ጉዳያት ሽወደን ላዕለዋይ ኣማኻሪ መጽናዕቲ ያን ሃለንበሪ
ብወገኑ፥ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መስርሕ ምምልካት ሓድሽ እወታዊ ተርእዮ ክህሉ ከም ዝኽእል
ተስፋ ጌሩ’ሎ።
ቱርክ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከተጽድቕ ኣዝያ ቀሪባ ከም ዘላ ምልክታት ኣሎ ዝበለ ሃለንበርግ “ እቲ ኣገዳሲ ነገር ክልቲኦም
መራሕቲ ሃንጋሪን ቱርኪን እወ ክብሉ ምግባር'ዩ" ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።