ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ትሑት መጠን ወሰኽ ከምዘርኣየ፡ መንግስቲ ቻይና፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ወሰኽ ህዝቢ ቻይና፡ 0.53% ምንባሩ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2000 ክሳብ 2010 ዝነበረ ናይ 0.57% እንክወዳደር እንከሎ፡ ዝወሓደ ምዃኑ ተመልኪቱ።
ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ቻይና፡ 1.41 ቢልዮን ከም ዝበጽሐ ይፍለጥ። በዚ ድማ ቤይጂንግ በብዓሰርተ ዓመታት ዝኽሰት ዘሎ ምጒዳል ህዝቢ ንምዕጋት ስድራቤታት ዝያዳ ንኽወልዱ ከተተባብዕ እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ሓንሳብ ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ክቃላሕ እዩ ዝብል ትጽቢታት ጸኒሑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዓመተ 2020 ዝተኻየደ እዚ መጽናዕቲ፡ 7 ሚልዮን ቆጸርቲ ህዝቢ ከም እተሳተፉን፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናዞሩ ነዚ ዳታ ከም ዘጻፈፉን ተገሊጹ። ንመጽናዕቲ እተመዘዘ ገዚፍ ዓቕሚ ሰብ ብምርኣይ እዚ መጽናዕቲ ኣዝዩ ዝተጻፈፈ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።