መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን፡ 9% በጺሑ ከምዘሎን ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ፡ ክሳብ 456 ሽሕ ሰባት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ብዙሓት ስራሕ ኣልቦ ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣብ ስራሕ ከምተቖጽሩ፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ከምዘፍለጠ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዙሓት ኩባንያታት፡ ኣስታት 1100 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከፋንዋ ከምዝሓበራ ይፍለጥ። ወርሓዊ ጸብጻባት ሽቕለት ኣልቦነት ከምዝሕብርዎ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ስቶክሆሎምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክውስኽ እኳ እንተተራእየ፡ ምምሕዳር ሶርምላንድ ግን ዝለዓለ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ምምዝጋባ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ብ111 ሽሕ ምውሳኹ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ኣብተን ዝበዝሐ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ዘለወን ምምሕዳራት፡ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ብ2.7%፡ ኣብ ምምሕዳር ኡፕሳላ ብ2.2% ምምሕዳር ቬስትራዮተላንድ ድማ ብ 2.1% ምውሳኹ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ዝለዓለ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ዘለዋ ምምሕዳር፡ ሶደርማንላንድ፡ ኮይና 11.6% ከተመዝግብ እንከላ፡ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከባ ምምሕዳራት ቬስተርቡተንን ኖርብተንን ብ6.8% ን 6.7% ዝተሓተ መጠን ኣመዝጊበን ይርከባ።