ኣብ ክልል ዓፋር 3.8 ሚሊዮን ዓመት ዝዕድሚኡ ሽክና-ርእሲ ሰብ መሰል-ህበይ ብምርምር ኩዕታ ከምዝተረኸበ በዓል-መዚ ሓለዋን ምርምርን ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ሽክና-ርእሲ ዝተረኸበሉ ቦታ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ሚሌ ፍሉይ ስሙ ሚሮ-ዶራ ዝተባህል ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ‘ቅድመ-ታሪኽ ወራንሶ ሚሌ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምርምር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት መጽናዕቲ ከካይድ ጸኒሑ።
‘ኔቸር’ ኣብ ዝተብሃለ ዓለም-ለኻዊ መጽሄት ሳይንስ ድማ ዕላዊ ኾይኑ ኣሎ።
ምንጪ: bbc tigrinya