ኣብ 2019 ዋጋታት ክራይ ገዛ ኣብ ሽወደን ብ1.9% ከም ዝወሰኸን እዚ ድማ እቲ ዝላዓለ ኣብ 6 ዓመታት ምዃኑ ማእከል ሃገራዊ ስታትስቲክስ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፉ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ዋጋ ወርሓዊ ክራይ ናይ ሰለስተ መደቀሲ ዘለዎ ገዛ 7147 ክሮነር እዩ፡ እዚ ዋጋ’ዚ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብውሑድ ዓቐን ዝፈላለ እዩ።
ካብ 2003 ጀሚሩ ዋጋ ክራይ ገዛ ኣብ ሽወደን ከይወሰኸ ከምዝጸንሐ እቲ ማእከል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ማእከላይ ገምጋም ዋጋ ክራይ ክልተ መደቀሲ ዘለዎ ገዛ 5761 ክሮነር ይበጽሕ፡ ማእከላይ ገምጋም ዋጋ ክራይ ሓደ መደቀሲ ዘለዎ ገዛ ድማ 4140 ክሮነር እዩ። ዋጋታት ክራይ ገዛ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተፈላለየ ከምዝኾነ እቲ ማእከል ይሕብር።
ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዋጋታት ክራይ ገዛ ዝለዓለ እዩ። ኣብ ትሕቲ 75000 ሰባት ዝቕመጥዎ ምምሕዳራት ዝነብሩ ስድራቤታት ንገዛ ክራይ ብማእከላይ ገምጋም 1600 ክሮነር ካብቶም ኣብ ስቶክሆልም ዝነብሩ ስድራቤታት ዝወሓደ ይኸፍሉ።