ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንድፊ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ናይ ዝመጻ ኣዋርሕ ኣመልኪቱ ሰለስተ ተኽእሎታት ኣቐሚጡ።
ብመሰረት እዚ ንድፊ፡ ቊጽሪ ሕሙማት ኮሮና ብምንቁልቋል ጀሚሩ ካብ 30 ክሳብ 50% ናብ ምውሳኽ ገጹ ከም ዝኸይድ
ተገሊጹ። እዚ ናይ ምውሳኽ ተርእዮ፡ ብፍላይ ሓደስቲ ጅር እዚ ቫይረስ ክዕብልሉ ምስ ዝጅምሩ ክኽሰት እዩ። ኣብ ምውዳእ ሕዳርን
መፋርቕ ታሕሳስን ቊጽሪ ሕሙማት ዝበዝሐ ክኸውን እዩ–ብመሰረት እቲ ኤጀንሲ።
"ገለ ሓደስቲ ጅራት እዚ ቫይረስ ክዕብልሉ ምስ ጀመሩ ቊጽሪ ተለበድቲ ክውስኽ እዩ" ክትብል ሳራ ባይፎርድ–ካብቲ ኤጀንሲ–
ገሊጻ’ላ።