ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዋና ከተማ ግዝኣት ካሊፎርንያ ዝኾነት ሳክራሜንቶ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ብጥይት ክህረሙ እንከለው ብውሕዱ ሽዱሽተ ሞይቶም።
ብሰንበት ለይቲ፡ ኣብቲ ብብዝሒ ኣብያተ መግብን መስተን ዝርከበሉ ማእከል እታ ከተማ ቅልጡፍ ተኹሲ ምስ ተሰምዐ ሰባት ኣብ ጎደናታት ክሃድሙ ተራእዮም።
እቲ ተኹሲ ምስ ተሰምዐ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ግብረመልሲ ከም ዝሃቡ ዝሓበረት ኣዛዚት ፖሊስ ካትሪን ሌስተር “ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት’ዩ” ኢላ።
ንሳ ወሲኻ መርመርቲ ናብቲ ስፍራ ብምምራሕ፡ ነቶም ተሓተትቲ ንምልላይ ዝሕግዝ ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ክረኽቦም ሓቲቶም ምሕላዎም ገሊጻ።
ዛጊት ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የሎን።
källa BBC TIGRINJA