ኣብ ከባቢ ሄድማርክ ዝርከብ ባህላዊ ቅርሲታት፡ ኣብ ሓድሽ ባህላዊ ማእከል ኤልቨሩም ክዕቀብ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ሓድሽ ባህላዊ ማእከል፡ ጽባሕ ሓሙስ ክኽፈት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዋጋ ማእከል ዕቀባ ኣኖ ዋጋኡ 170 ሚልዮን ክሮና ኮይኑ፡ ክሳብ 100,000 ዝኾኑ ኣብ ሄድማርክ ዝነበሩ ኣቕሑ ክዕቅብ እዩ። እዚ ኣቐዲሙ ሄድማርክ ካውንቲ ሚዝዬም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቤተመዘክር፡ ናይ ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣብያተ መዘክር ምውህሃድ ኮይኑ፡ እዘን ኣብያተ መዘክር ኣብ ውሽጠን ዝነበረ ባህላዊ ቅርሲታት ኣብኡ ከም ክቕመጥ ክገብራ እየን። እቲ ቀንዲ ክፋል፡ ካብተን ዝዓበያ ኣብያተ መዘክር ዶምኪርክዮደን፡ ስኮግሙሰት ከምኡውን ግሎምዳስሙሰት ዝመጽእ እዩ ክትብል ጋዜጣ ኦስትለንዲንገን ገሊጻ’ላ። እዚ ማእከል ኣብ ምዕቃብን ምድላው ኤግዚቢሽናትን ድሉው ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ።