ሓደ ኣብ ዮቶበሪ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ: ምስ ሃገራዊ ጥዕና ትካል ሽወደን ብምዃን ብሓባር ብዝገበሩዎ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣብ ኣካል ካብቶም ኣብ ዓመተ 1944 ዝተወልዱ ልዕሊ 96% ዝኾኑ ሰባት: ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ውሁድ ኣብ ውሽጢ ደሞም ከም ዘሎ ይሕብር።
ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ 553 ሰባት ዝተሳተፉ ኾይኖም፡ እቲ መርመራ ከምዘርእዮ ኣብ ውሽጢ ኣካላት እቶም ልዕሊ 96.4% ዝኾኑ ሰባት እዚ ጸረ-ቫይረስ ኮቪድ-19 ዉሁድ ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሊ።
እቶም ተሳተፍቲ ብተወሳኺ ንዝቐረበሎም መሕትት ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፡ ልዕሊ 96.3% ዝኾኑ ሰባት እንተዋሓደ ክልተ ግዜ ዝኸውን ክትባት ከምዝወሰዱ ሓቢሮም።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓመተ 1944 ዝተወለዱ ሰባት ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ዉሁድ ኣብ ደሞም ከምዝተራእየ የመልክት። ከምቶም ክኢላታት እንድሕር ኮይኑ ድማ እዚ ማለት፡ ምልክታት ናይ ሕሉፍ መልከፍቲ ከምዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
እዞም ተሳተፍቲ: ኣካል ናይቲ H70 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጽናዕቲ እዮም። እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ዮቶበሪ ዝነብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝተገብረ ሕብረተሰባዊ መጽናዕቲ እዩ።
ውጽኢት ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ ብዑምቈት ብዝተገብረ መርመራ ተሰንዩ ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ዓመት ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።