ናብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ኢንዶኔዝያዊት ደሴት ሱላዌሲ፡ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምግጣሙ ብውሑዱ 35 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ብርክት ዝበሉ ህንጻታትን ሓንቲ ሆስፒታልን ከም ዝዓነዋ ተፈሊጡ። ገለ ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ተጸቒጦም ብሂወት ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
በቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክጉድኡ እንከለዉ፡ 15 ሽሕ ድማ ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ናብ በሪኽ ቦታታት ኣዕቑቦም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።