ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ቅልውላው ትግራት ዝወሰዶ ፖሊስ ዝቃወም ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እተሳተፍዎ ሰልፊ ተኻዪዱ።
ጆ ባይደን፡ ነቲ ድሮ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ሕቶ ምቕራቡ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመጸ ዓሌታዊ ግርጭታት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ እዩ። ብኻልእ መዳይ፡ ክፍሊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቊጠባውን ጸጥታውን እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ምጽዓኑ ይፍለጥ።
እቶም ሰልፈኛታት ንኣመሪካ ዝነቅፍ ጭርሖታት ከምኡውን ዓበይቲ ስእሊታት መራሕቲ ሩስያን ቻይናን ቪላድሚር ፑቲንን ዢ ዢንፒን ሒዞም እዮም ወጺኦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ትግራይ፡ ይወርድ ብዘሎ መጠነ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ዓብዪ ጸቕጢ ክወርዶ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ትግራይ፡ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ኣብ ዘሎ ኲናት፡ ኣሽሓት ሲቪላውያን ተቐቲሎም፡ ብውሕዱ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም።
ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ከም ዘሎ፡ ሰብ ዝሰርሖ ጥሜት ምፍጣር ከምኡውን ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኽሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።