ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣብ ቨነሽቦሪ ዝርከብ 130 እሱራት ዘአንገደ ክፉት ቤት-ማእሰርቲ ኦስትራጎርድ፡ ብሓያል ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝተጠቕዐ ተሓቢሩ፡፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ማለት እሱራትን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት-ማእሰርትን ስለ ዝሓመሙ፡ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ከምዘሎ ሓያሎ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺበን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ናይ መጀመርታ ግዳይ ዝተረኽበ ክኸውን እንከሎ፥ ሕጂ ግን፡ እቲ ሕማም ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ብምስፍሕፍሑ፡ 9 እሱራትን 6 ሰራሕተኛታትን ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ክትብል፡ ናይቲ ተሃድሶ ሓላፊት ዝኾነት፡ ፖውሊን ሃግበሪ ንሬድዮ P4 ቨስት ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ፡፡
እቲ ቀዳማይ ግዳይ፡ ሓደ ካብቶም እሱራት ምንባሩ እኳ ኣንተተፈልጠ፡ እቲ መልከፍቲ ብኸመይ ኣገባብ ናብ’ዚ ክፍሊ ከምዝኣተወ ግን ንጹር ኣይኮነን፡፡ ክትባት ዝወሰዱ እሱራት፡ ንደገ ወጺኦም ከዕርፉን ምስ ዝተኸትቡ በጻሕቲ ንኽራኸቡ ፍቓድ ከምዝተዋህቦም ይፍለጥ፡፡
ንሳ ብምቕጻል፡ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ርእሲ ምዕጻዉ፥ ተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምግታእ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይ ተጠንቀቕ ስጉምትታት ውን ተወሲዶም ኣለዉ፡፡ ገለ ከም ኣብነት ዝኾኑ ንምጥቃስ፥ ዝተለኽፉ እሱራት፡ ነናቶም ፍሉይ ክፍሊ ተዋሂቡዎምን ሓድሽ መምርሒ ክሳብ ዝወሃብ ድማ ስርሖም ንዘይተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ ከምዝጸንሕ ተጌሩ ብምባል ኣብሪሃ፡፡