ሰሙናዊ መጠነ ሞት ሽወደን ከንቈልቊል ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ንቡር ደረጃ ምውራዱን ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ። ክሳብ መወዳእታ ሰሙን ወርሑ ግንቦት ሓፈሻዊ ሞት 1524 እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ዓመታት 2015-2019 ዝነበረ ማእከላይ ገምጋም ዝትሕት እዩ ተባሂሉ። “እዚ ድሕሪ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ናይ ፈለማ ዝተሓተ ውጽኢት እዩ” ክብል ክኢላ ስታቲስቲክስ ቶማስ ጆሃንሰን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ይዂንምበር ኣብ ምዝዛም እዛ ወርሒ ካብ ንቡር ልዕል ዝብል መጠን ሞት ክንርኢ ንኽእል ኢና ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ጸብጺቡ’ሎ። ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም እውን መጠን ሞይ ናብ ንቡር ደረጃ እዩ ዝወርድ ዘሎ። እታ ኣውራጃ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ግንቦት 295 መጠን ሞት ምምዝጋባ ድማ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ዝነበረ ኣሃዝ እንክነጻጸር ልዕሊ 10 ዕጽፊ እዩ ተባሂሉ’ሎ።