ኣብ ሽወደን፡ 44% ካብቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ከም ዝተኸትቡ ጸብጻባት ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።
ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ሽወደን ን4,996,809 ሰባት፡ ክታበት ተዋሂቡ ኣሎ። ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ቁጽሪ ድማ፡ እቶም 3,640,423 ሰባት ሓደ እብረ ክታበት ዝተዋህቦም እዮም። እዚ ኣሃዝ ድማ 44.5% ናይቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት እዩ። እቶም ዝተረፉ 1,356,386 ድማ ክልተ እብረ ክታበት ዝተዋህቡ ኮይኖም ን 16.6% ናይ ጠቕላላ ቁጽሪ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ማለት እዩ።
በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ንትማሊ ዓርቢ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ Covid-19 ዘጋጥም ናይ መልከፍትን ሞትን ዝገልጽ እዋናዊ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከቕርብ ኣይካለን። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብቲ ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓበሬታታት ዝኽዘነሉ ናይ sminet database ብሰርሰርቲ ስለዝተጠቕዐ እዩ ክብል እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።
እቲ ዝተፈተነ ናይ ስርሰራ መስርሕ፡ ብፖሊስን ብሕታውነት ዝጣበቕ ኣካልን ይምርመር ከምዘሎ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ ኣሎ።