ኣብ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብ ሽወደን 27 ሰባት ብ መጥቃዕቲ ጥይት ምሟቶም፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነባራት ሓለፍቲ ጒሒላታት ብዝገብሮ ናይ ምእሳር ስርሒታት እዩ፡ ክትብል ኣብ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊት ኣሃዱ ስለያ ሊንዳ ስታፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ መንእሰያት ገበነኛታት ግርጭታት ንምፍታሕ ብጥይት ምቕታል ከም ዘዘውትሩ” ፖሊስ ተገንዚቦም ምህላዎም፡ ሊንዳ ስታፍ ወሲኻ ኣረዲኣ።