ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቫስትማን ላንድ ካብ ስኪን ስካትበሪ ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሰለስተ ሰባት ኣብ ውሽጢ መኪና
ሞይቶም ተረኺቦም። መወትቲ ፥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ክልተ ቆልዑን ምንባሮም ሓደ ዓቃቢ ሕጊ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እታ
ሰበይቲ ነቶም ቆልዑ ድሕሪ ምቕታል ነፍሳ ባዕላ ምጥፋኣ፡ ነዚ ንምትግባር እተጠቕመትሉ መሳርሒ ኸኣ ኣብታ መኪና ከም
እተረኽበን ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ’ሎ።