ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ከተማ ስቶክሆሎም ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ቁጽሪ ናይተን ጾታዊ ርክብ ንኽንፍጽም ተገዲድና ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ ይበዝሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ከምዘቃለሐ TT ሓቢሩ።
እቲ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ 5% ካብተን ኣብ 9ይ ክፍሊ ዝመሃራን፡ 8% ካብተን ኣብ 2ይ ዓመት ናይ ማእከላይ ደረጃ (11 ክፍሊ) ዝመሃራን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽማ ተገዲድና ከምዝብላ ሓቢሩ ኣሎ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ናይዚ ዓመት ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ ማለት 3%፡ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጹ።
ነዚ ኣብ ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ ቅቡል ዘይኮነ ተግባራት ንምዕጋት እንታይ ክግበር ከምዝኽእል ክፈልጥ ብጣዕሚ እየ ዝደሊ ክትብል ሓላፊት ቤት ትምህርታት ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኢዛቤላ ፓልመክፊስት፡ ገሊጻ።