ኣብ ስቶክሆሎም፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ መርመራ ኮሮና ዝገብሩ ሰባት፡ ብቫይረስ ዝተለኽፈ ምዃኑ በዓል መዚ ጥዕና’ታ ምምሕዳር ኣረጋጊጹ።
ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ሓደገኛ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር፡ ቢዮርን ኢሪክሰን ሓቢሩ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ርዱእ ኮይኑ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ድማ፡ ኢሪክሰን፡ ይሕብር።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 4184 ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ከምተለኽፉን እዚ ድማ ኣስታት 20% ናይ ጠቕላላ ድምር ናይ ዝተመርመሩ ሰባት ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብጀካ ኣብ ምምሕዳራት ዮምትላንድን ሃርዮዳለን፡ ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት፡ ምውሳኽ ከምዘርኣየ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ዓሰርተ ምምሕዳራት፡ ጥቡቕ ዝኾነ ከባብያዊ ቀይድታት፡ ከምዘተኣታተዋ ይዝከር።