ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዋዕላ ነጠፍቲ ሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ዋዕላ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ተሳተፍቲ፡ ምስ ካልኦት ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ብ መርበብ ክራኸቡ ዕድል ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ‘ዲፈንደርስ ዴይ” ዝተሰየመ ዋዕላ፡ ኣብ ከክልተ ዓመት ሓደ ግዜ ብ ሽወደናዊ ውድብ “ሲቪል ዲፈንደርስ” ከም ዝካየድን፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ካብ 50 ሃገራት እተዋጽኡ ኣስታት 200 ተሳተፍቲ ከም ዝህልዉዎን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
ጠበቓ ውድብ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ዩክሬይን ካትሪና ራሸቭስካ፡ ሓንቲ ካብ ተሳተፍቲ እዚ ዋዕላ ኮይና፡ ሃገራት ምዕራብ ድሕሪ ወራር ሩስያ ውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ንምሕጋዝ ዝያዳ ክሰርሓ ኣተሓሳሲባ’ላ።