እዚ ገንዘብ ኣካል ናይቲ ናእሽቱ ኮንትራክተራት እቲ ቀዳማይ ተኻራዪ ኣብ ዝቕጽል ክራይ ንዝጸዓኖ ተወሳኺ ዋጋ ክራይ ንምሕዋይ ዘቕረብዎ ሕቶ እዩ። ብጠቕላላ ናብ ቦርድ ኲባንያ ሃውሲንግ 86 ስምዕታታት ምቕራቦምን እዚ ምስቲ ናይ ዓመተ 2018 እንክወዳደር ብ 20% ወሰኽ ምርኣዩን ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዓመተ 2018 ዝነበረ ቊጽሪ ኣመልከትቲ 70 ጥራይ ምንባሩ ተመልኪቱ’ሎ። እዞም ተኻረይቲ ካብቲ መበቆላዊ ክፍሊት ኣዝዩ ዝዛይድ ዋጋ ክኸፍሉ ተሓቲቶም ምህላዎም ናይቲ ጥርዓን ዋና ነገር እዩ ተባሂሉ’ሎ። “እቲ ጸገም እዞም ክራያት ንነባራት ተኻረይቲ ምንጪ ኣታዊ ኮይኖም ምጽንሖም እዩ።
ምስ ዘይደልይዎም ነዞም ኣባይቲ ከክርይዎም ጸኒሖም ኣለዉ” ክትብል ጠበቓ ማርያ ሊልባልድ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ’ላ። ካብ ጥቅምቲ 2019 ንደሓር ሓድሽ ሕጊ ክራይ ምትእትታዉን ብመሰረት እዚ ሕጊ ብዘይ ኣፍልጦ ማሕበራት ተኻረይቲ ወይ ኲባንያትታ ኣባይቲ ቤትካ ምክራይ ክልኩል ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ሓደ ሰብ ንዝተኻረዮ ቤት ንኻልእ እንተካርዩ ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲን ክብየኖ ከም ዝኽእል ይፍለጥ።