እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሽወደን ካብ ስቴኑሱንድ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ E6 ሞተርዌይ ዝተኸስተ ምህማም መሬት ፡ ብሰንኪ
ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ቻልመርስ “ዩኒቨርሲቲ
ቴክኖሎጂ”– ፕሮፌሰር ኤሜሪቱስ ጂኦሎጂን ጂኦቴክኒክስን– ጎራን ሳልፎርስ እዩ። ኣብ 2006 ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ
ተመሳሳሊ ምህማም መሬት ዝመርመረ ሳልፎርስ፡ ኣብ ጫፍ ቁልቁለት እቲ ጽርግያ ዘሎ ህንጻዊ ምንቅስቓስ፥ ጠንቂ እዚ ሓደጋ
ምህማም ክኸውን ከምዝኽእል ኣብሪሁ’ሎ።
ኣብቲ ከባቢ፥ ብተፈጥሮ ካብ ተሪር ግዛዕ ብቕጽበት ናብ ፈሳሲ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ዘለዎ ዓይነት ጭቃ ከም ማዕበል ናይ
ምዝርጋሕ ባህሪ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ቦታ ንምህማም መሬት ዝተቓልዐ ምዃኑ ሳልፎርስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።