ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ትማሊ ሓሙስ፡ ተቓውሞ ንኸስምዑ ናብ ጽርግያታት ወጹኦም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ንምብታን፡ መንብዒ ጋዝ ከምዝተኮሱ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሰብ-መዚ ሱዳን ከምዝበሉዎ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብቲ ናዕቢ ሓደ ፖሊስ፡ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ተፈሊጡ’ሎ።
ፖሊስ ናይ ሱዳን ከምዝሓበሮ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታት፡ ካብ ሓይልታት ፖሊስ፡ ዝሞቱ ከምዘለው እዮም ገሊጾም። ኣብ ብዙሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝተፈነወ ስእላዊ ቪድዮ ከምዝረእዮ፡ እቶም ተቓወምቲ፡ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ይትኮሰሎም ካብ ዝነበረ መንብዒ ጋዝ ንኸምልጡ እንዳተሓብኡን ገለ ገሊኦም ድማ እምኒ ናብቶም ፖሊስ እንዳደርበዩን እዩ ዘርኢ።
ክሳብ ሕጂ፡ ካብቶም ተቓወምቲ፡ ክንደይ ሰብ ከምዝሞተ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዘየለ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ከምዚኦም ዓይነት ጎንጺ ዝመልኦም ሰልፍታት፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝተኣለየሉ መዓልቲ ጀሚሩ በብእዋኑ ክርአዩ ዝጸንሑ ሰልፍታት፡ መቐጸልታ ከምዝኾኑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
እቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ነቲ ሱዳን ካብ ዓመተ 2019፡ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ውልቀ-መላኺ ዑመር ኣል በሽር ካብ ስልጣን ዝተኣለየሉ እዋን ጀሚሩ ናብ ህንጸት ስርዓት ዲሞክራሲ ትገብሮ ዝነበረት ጉዕዞ ብሃንደበት ዝኾልፍ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
እቶም ተቓወምቲ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወታሃደራዊ ስርዓት ብቕልጡፍ ክእለ እዮም ዝጠልቡ ዘለው። እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብወገኑ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝምለሰሉ ግዜ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክግበር ግዜ ተታሒዙሉ ዘሎ ምርጫ ስዒቡ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ ዘሎ።
ኣብዞም ሰልፍታት፡ ልዕሊ 60 ሰባት ዝተቐትሉ ክኾኑ ከለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ከምዝተጎዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ቅድም ክብል ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ሕቡራት መንግስታት ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዝርርብን ናብ መፍትሒን ክመጹ ዘኽእሎም መስርሓት ንምፍታሽ ዝዓለመ፡ ምስቶም ዲሞክራሲያውያን ምንቅስቓሳትን ምስቲ ወታሃደራዊ ሓይልን ብንጽል ከምዝተዘራረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።