ኣብ ግሪኽ ድሕሪ ዝተኸስተ ሰፊሕ ባርዕ ጫካ፥ ብዙሓት ሽወደናውያን በጻሕቲ ክወጹ እኳ እንተተገብረ፡ ካልኦት ኣሽሓት ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ኣብ ደሴት ሮድስ (ግሪኽ) ከሕልፉ ዝደልዩ ሽወደናውያን ዛጊት ኣብቲ ቦታ ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ተወሰኽቲ በረራታት ይመጹ ምህላዎም ነቲ ኲነታት ኣዘራራቢ ጌርዎ’ሎ። ኣብታ ደሴት ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ማትስ ኒልሰንን በዓልቲ ቤቱን ብቕድሚ ትማል ሰንበት ረጒድ ትኪ ናብ ሆቴሎም ምብጽሑ ይገልጹ። እዞም ጽምዲ ብ ሰንበት ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም እኳ እንተነበረ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ኣውቶቡስ ድሕሪ ምጽባይ ግን ናብ ሆቴሎም ከም እተመልሱ እዮም ዝገልጹ። እዚ እናኾነ ኣብ ኩባንያ ጉዕዞ TUI ሓላፊ ኖርዲክ ኮሚዩኒኬሽንስ ኣዳም ጂዮርኪ፡ ኩሉ ናብ ሮድስ ዝገብርዎ በረራታት እንተወሓደ ክሳብ ሎሚ ሰሉስ ክስርዞ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ደሴት ሮድስ ዝተኸስተ ባርዕ ጫካታት ሕጂ’ውን ይቕጽል እዩ ዘሎ። ብምኽንያት እቲ ባርዕ ዛጊት ኣማኢት በጻሕቲ ሽወደናውያን ዝርከብዎም ኣስታት 19 ሽሕ ሰባት ካብቲ ቦታ ተሰዲዶም ኣለዉ፡፡
“እቲ መስርሕ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ምውጻእ ነይሩ” ትብል ወሃቢት ቃል ቱር ኦፕሬተር ቪንግ ኣና ሃግበሪ። ኣብ ሮድስ ዝተገብረ ሰባት ናይ ምውጻእ ጻዕሪ፥ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ዝዓበየ ወፍሪ ምዃኑ ሰብመዚ ግሪኽ ይሕብሩ።