ብመሰረት ሓበሬታ P4 ዮተቦሪ፡ ኣብ ቬስትራ ዮታላንድ (Västra Götaland) ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮናቫይረስ እተለኽፉ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ይገልጽ። ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዚዕቆቡ ሰባት ድማ ናብ 20 ንመዓልቲ ከምዝበጽሔ ሓቢሩ። ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና እቲ ዞባ፡ እቶም ሓደስቲ ጥቑዓት፡ ኣብቲ IVA Kronan ዚብሃል ናይ ሜዳ ሆስፒታል
ይዕቆቡ ከምዘለዉ፡ እዚ ግን ኣብ ሆስፒታላት ጌና ሰብ ዘይብሎም ዓራት እናሃለወ ከሎ እዩ ክብል ንህልው ኩነታት እቲ ዝባ ይገልጾ። እዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ ከምዘሎን፣ ብመንጹሩ ድማ ናብ ጽዑቕ ክንክንን ዝኣትዉ ግዳያት እውን ይውስኽ ከምዘሎ ይንገር።