ኣብ ክሩኖባሪ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ቪክኾን ሊዩንቢን ብሰንኪ ብዝሒ ቁጽሪ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ኣጋጢወን ከምዘሎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብ ሆስፒታልና ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት፡ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እንትርፎ እቶም ግዴታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘድልዮም ሰባት እቶም ደሓን ዝኾኑ ናብ ሆስፒታልና እንተዘይመጹ ይምረጽ ክትብል ሓላፊት ጥዕና’ቲ ሆስፒታል ፡ማርያ ዌልትዝ፡ ገሊጻ።
ክሳብ ሕጂ፡ መጠን መልከፍቲ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ክሩኖባሪ፡ 1974 ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልታት ድማ 192 ሰባት ከምተለኽፉ ይፍለጥ።