ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 1/09/2020 ጀሚረን፡ ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ፍርድታት፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ንኽሰርሓ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ተዳልየን ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ፍሉይን ህጹጽን ጉዳያት ኣብ ዝርከበሉ እዋናት፡ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ልሙድ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ፡ ህዝባዊ ጠበቓ ኣብ ዝርከበሉ ኣጋጣሚ ውሳኔታቱ ከመሓላልፍ ክኽእል እዩ።
ሓደ ዝተኸሰሰ ሰብ፡ ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ፡ ህዝባዊ ጠበቓ ክምደበሉ እንተድኣ ክኢሉ፡ እቲ ናይ መርመራ ሕቶታት ኣቐዲምካ ክግበር ክከኣል እዩ። እዚ ድማ ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ክሱሳት፡ ዝጠቅም ስጉምቲ ምዃኑ ኣብቲ መስመር ዝነጥፉ ወገናት ይገልጹ።
ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ፍርድታት፡ ነዚ ናይ ምሸት ንጥፈታት፡ በብእብረ ክሰርሐኦ እየን። ነፍሲ ወከፍ ዳኛ፡ ዓመታዊ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ግዜ፡ ምሸታዊ ክሰርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ጽድያ ክተኣታቶ ዝግባእ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ግን እቲ ምጅማር ተሰጋጊሩ ምጽንሑ ዝምልከቶም ወገናት ገሊጾም ክብል TT ሓቢሩ።