ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ቁርኣን ምቅጻል ዘጠቓልል ሰልፊ ዝወደበ ሰብኣይ፡ ኣንጻር ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ናዕቢ
ምልዕዓል ዝብል ወንጀል ፈጺሙ ከይከውን ብ ፖሊስ ይምርመር ኣሎ። ድሕሪ’ቲ ተቓውሞ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጸረ ሽወደናዊ
ስምዒት ብናህሪ ኣብ ልዕሊ ምምዕባሉ፣ ፍርያት ሽወደን ክእገዱ ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ። በዚ ድማ ኣብ ባቕዳድ ዝርከቡ
ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሽወደን ብጸጥታዊ ምኽንያት ናብ ስቶክሆልም ከም ዝተመልሱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ።
ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ነቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኪታብ ኣል-ቁርኣን ዘራኸሰ እዩ
ብምባል ኮኒነንኦ’ለዋ። ኣብ ኤጀንሲ ምርምር ምክልኻል ሽወደን (FOI) ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣሮን
ሉንድ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሽወደናውያን ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
"እዚ ተግባር ምቅጻል ቊርኣን ኣብ መብዛሕትኦም ሃገራት ኣስላም፥ ኣንተላይ ዒራቕን ካልእ ክፋላት ዓለምን ናይ እማን ቊጠዐ
ኣለዓዒሉ’ል" ይብል ሉንድ። እዚ እናኾነ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ኣብ ወጻኢ ሃገራት
ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ምልዕዓል ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሓያሎ ሃገራትን ትካላትን ነዚ ተግባር ክዂንናኦ
እንከለዋ፥ ገሊአን ድማ ምስ ሽወደን ዝምድና ክሳብ ምብታኽ በጺሐን ኣለዋ።