ብሓላፊ ፖሊስ ማልሞ፡ ስቴፋን ሲንትዮስ፡ እትምራሕ ሓንቲ ጉጅለ ጸጥታዊ ሓለዋ ኣንጻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማልሞ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ጎነጻዊ ገበናት እትነጥፍ እያ። ማልሞ ድማ ነዚ ተርእዮ ንምቅላስ ዘድሊ ዓይነታዊ ሓገዛት ክትረክብ እያ። ሶኑይ ንግሆ ኣብ ደቡብ’ታ ሃገር እትርከብ ከተማ ማልሞ፡ ፖሊስ’ታ ከተማ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ። እዚ ዋዕላ በቲ ኣብ ቀዳም ምሸት ዘጋጠመ ቶኽሲ ከም ሳዕቤኑ ድማ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ ሂወቱ ድሕሪ ምስኣኑ ዝተኻየደ እዩ።
ኣብቲ ዋዕላ ብጀካ ሲንትዮስ ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ከም ሓላፊት ፖሊስ’ቲ ዞባ፡ ካሪና ፔርሶን፡ ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ማልሞ፡ ፒየር ኤሪክ ኢቢስቶል ተረኺቦም ነይሮም። ሰለስቲኦም መኮንናት፡ ንዝበዝሑ ኣብ ትምህርቲ ዘይርከቡ መናእሰይ ካብ ገበናዊ ከባቢታት ንምእላይን ኣንጻር ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዝፍጸሙ ገበናት ኣቐዲምካ መከላኸሊ ኣገባባት ንምፍጣር ምቅላስን እቲ ዝኸበደ ብደሆ ክኸውን ከምዝኽእል ኣረጋጊጾም።
ፖሊስ ማልሞ፡ ብዛዕባ ብቀዳም ዘጋጠመ ኣምልኪቶም፡ ከም መወከሲ ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ብዙሓት ተክኒካዊ ጭብጥታት ከምዘለዎም፡ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ካሜራታት ዝቀደሐኦ ስእልታት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ፡ ብተወሳኺ ቃል ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ክሰምዑ ምዃኖምን በዚ ድማ እኹል ሓበሬታታት ክእክቡ ከምዝኽእሉ ኣብሪሆም። ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ንዝፍጸሙ ገበናትን ጎነጻዊ ገበናትን ንምውጋድ፡ ፖሊስ ማልሞ ምስ ሽማግለ ከተማ ማልሞ ብምዃን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።