ኣብ ላቦራቶሪ እተሰርሐ ድቂ ወዲሰብ ኣብ ማህጸን ህበይ ክዓቢ ከም እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ብልፍንቲዊ ጒጅለ ቻይናን ኣመሪካን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዓብዪ ስነምግባራዊ ክትዓት ኣለዓዒሉ ይርከብ።
እዞም፡ተመራመርቲ ሰብኣዊ ዋህዮታኣ ስቴም ናብ ማህጸን ህበይ ከም ዝኣቱ ብምግባር ን ዕስራ መዓልታት ዕቤት እዚ ድቂ ክከታተሉ ምጽንሖም ተገሊጹ። ሕውስዋስ ድቂ ሰብን ካልእ ፍጥረትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም እተፈተነ ዝዝከር እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሕውስዋስ ፍጥረት ሰብን በጊዕን ፥ ሰብን ሓሰማን ኣብ ላቦራቶሪ ተሰኒዖም እዮም።
እዚ ጒጅለ ተመራመርቲ ኣብ ሳልክ ኢንስቲትዩት ኣመሪካ ብዝሰርሕ ፕሮፌሰር ካርሎስ ኢዝፒኣኣ ዝምራሕ ኮይኑ ፋልማይ ድቓላ ሰብን ሓሰማን ዝሰንዐ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ምስናዕ ፍጥረታት ተለዋጢ ኣካሊታት ወዲሰብ ኣብ ምንዳይን ፍልቀት ወዲሰብ ብዝበለጸ ንምርዳእን ኣገዳሲ እዩ ዝበለ እቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ሕብረተሰብ ገዚፍ ተቓውሞ ክመጾ ምጽንሑ ኣመልኪቱ።
እዚ ድቂ ኣብ 20 መዓልታት ክብርዕን እኳ እንተተገብረ ካልኦት ዘይሓላፍነታውያን ግና ክቕጽልዎን ክሳብ ዝውለድ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም ክትብል ዶር ኣና ስማጆር ዝተባህለት ክኢላ ስነህይወት ኣብዚ ጒዳይ ዘለዋ ስነምግባራዊ ሻቕላ ትገልጽ። ብቐንዱ እዞም ዝስንዑ ዘለዉ ፍጥረት ከም ሰብ ዲና ክንሓስቦም ዝብል ሓብዪ ዘይተመለሰ ሕቶ እውን ኣሎ።