ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ በኒ ጋንዝን ፍሌስጤማዊ መራሒ፡ ማሕሙድ ዓባስን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ብሰንበት፡ ከም እተራኸቡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
እዚ ድሕሪ ምፍናው ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ብደረጃ ላዕለዎት ሰብመዚ እተገብረ ፋልማይ ወግዓዊ ርክብ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ናታንያሁ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝነበረ ርክባት ኣዝዩ ዝላሕልሐ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።
ክልቲኣቶም መራሕቲ፡ ጒዳያት ጸጥታን ቊጠባን ካልእን ኣልዒሎም ከም ዝዘተዩ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ክቅጽልዎ ምዃኖም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ውን ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ በነት፡ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምርኻቡ እዚ ኣብ መንጎ ዓባስን ጋንዝን ዝተኻየደ ርክብ ከም ዝተፈጸመ ተንተንቲ ኣመልኪቶም ኣለዉ።