ኣብ መንጎ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ወሃብቲ ስራሕ ሽወደንን ንመሰላትን ዉሕስነትን ሰራሕተኛታት ብዝምልከት ዝግበር ዘሎ ርሱን ክትዕን ዘተን ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብዚ ሳልስቲ ብሓድሽ ርእይቶን መቀራረቢ ሓሳብን ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ክዛዘም እኳ ትጽቢት ተገይርሉ እንተነበረ፡ ንውሱን ሰዓታት ወይ ዉን ንመዓልታት ተዳንጉዩ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣሎዉ።
እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመሰላት ሰራሕተኛ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን፡ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብዘይስምምዕ ግዜ ብምዉሳዱ፡ መንግስቲ ምስ መሻርኽቱ ዝኾና ሰልፍታት ብምምኽኻር፡ ሓምሳ ዓመት ዝዕድሚኡ ሕጊ መሰል ሰራሕተኛታት ሽወደን ንምቕያር ወይ ዉን ንምምሕያሽ ዘኽእል መርመራ ክግበር ብምእዛዙ ዓቢ ፖለቲካዊ ቅልዉላዉ ኣልዒሉ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ መንጎ ማሕበራት ሰራሕተኛን ወሃብቲ ስራሓት ዝግበር ዘሎ ዘተ ብዕግበት ኩሎም ተዛተይቲ እንተተዛዚሙ፡ ንዘሎ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ከተሃዳድእ ዘሎዎ ትጽቢት ዓቢ ምዃኑ ተነጊሩ ኣሎ።