ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ እዩ ክብል ቀ/ሚ ሪሺ ሱናክ ገሊጹ። ኣብ ሂሮሺማ (ጃፓን)
ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ሃገራት G7 ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ እገዳታት ክጸዓን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ
ድማ ኣብ ብሪጣንያ ዝሽየጥ ዝነበረ ማዕድን ኣልማዝ ሩስያ እገዳ ክግበረሉ እዩ። ሩስያ ካብዚ ሰደድ ክሳብ 4 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ
ከም እትረክብ ዝፍለጥ እዩ። ብዘይካዚ ካብ ሩስያ ዝዕደን ኣልሚንዬም ከምኡውን ኒኬል ክእክገድ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ
ምስ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 86 ውልቀሰባትን እገዳ ክጽዕን እዩ። ካብ ምጅማር
ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣትሒዛ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ 1500 ውልቀሰባት እገዳ ምግባራን 18 ቢልዮን ሃብቲ ሩስያ
ምድስካላን ዝፍለጥ እዩ። ፕረሲደንት ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ቻርለስ ሚሸል ምስ ሩስያ ዝግበር ንግድ ኣልማዝ ክድርት ምዃኑ
ሓቢሩ’ሎ። ኣብዚ ኣኼባ G7 ዝሳተፍ ዘሎ ቀ/ሚ ህንዲ ኒረንድራ ሞዲ ግና ኣብ ጒዳይ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘይሻራዊ
መርገጺ ምሓዙን፥ እዚ ጒዳይ ብልዝብ ክውዳእ ድሌት ከም ዘለዎን ምግላጹ ቢቢሲ ኣመልኪታ’ላ።
"ንሕና ኣብ ዴሞክራሲ፡ ሓርነትን፡ ግዝኣተ-ሕጊን እንኣምን ህዝቢ ኢና፥ ነዞም ዕላማታት ከኣ ኲልሳዕ ክንቆመሎም ኢና" ክብል
ሱናክ ን ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘሕምም ስምብራት ክገድፍ መታን፥ ካልኦት ሃገራት እውን ነዚ ወራር ሩስያ ንምዂናን ተመሳሳሊ
መርገጺ ክሕዛ ሱናክ ጸዊዑ’ሎ።