ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምክልኻል፡ ከተማ ማልመ፡ ሓድሽ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ከምዝተኣታተወ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት፡ ኣብ ኣብያተ ቤት ትምህርታት፡ ንዝርከቡ መምህራንን ተማሃሮን፡ መርመራ ኮቪድ-19፡ ምክያድ ምዃኑ ላራረን ( Läraren.) ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ሓድሽ ናይ ፈተን ፕሮጀክት፡ ኣብተን ንመርመራ ኮቪድ (PCR tests) ምቹእ ዝኾነ ቦታ ዘለወን ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ላቲንን (Latin) ቦርያርስኮላን (Borgarskolan)፡ ተጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎምን ዳርላን ዝርከባ 26 ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ከም ናይ ፈተነ ፕሮጀክት፡ ቅልጡፍ ኣገባብ መርመራ ከምዘካየዳ ተፈሊጡ ኣሎ። ከተማ ዮተቦሪ ውን ከምዚ ዓይነት ኣገባብ መርመራ ንኽትጅምር መደብ ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ።
ቅልጡፍ ኣገባብ መርመራ ኮቪድ፡ ካብቲ ንቡር መርመራ ኮቪድ (PCR tests ) ብዙሕ ዝፍለ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ተኣማንነቱ ግን ዝተሓተ ምዃኑ ተገሊጹ።