ኣብ ፓርላማ ሽወደን፡ ወኪል ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነ፡ ኤድዋርድ ሪድል ዝተባህለ ፖለቲከኛ ብሰንኪ ልዕል ፍጥነት፡ መምርሒ ፍቓድ መኪንኡ ከምተመንጠለ መደበር ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።
ኤድዋርድ፡ ኣብቲ ክሳብ 110 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ክኽየዶ ዝግባእ መንገዲ፡ ብ147 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ክሕንበብ እንከሎ፡ ፖሊስ ትራፊክ፡ ደው ከምዘበሎን፡ ብሰንኪ ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሕጊ ድማ መምርሒ ፍቓዱ ከምዝተመንጠለን ይዛረብ። ንሱ፡ ዝገበሮ በደል ምኽኑይ ከምዘይኮነን፡ ብሓጺሩ ድማ ሕጊ ከምዝጠሓሰን፡ ይግባይ ክሓትት ከምዘይደልን ገሊጹ።
ኤድዋርድ፡ ተቐማጢ ከተማ ኦምዮ ምዃኑን፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ድማ፡ ሰሙናዊ ናብቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ህንጻ ፓርላማ ሽወደን ዝኾነ ሪክስዳግ ብመኪንኡ እናተመላለሰ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
መቕጻዕቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት ሕጊ፡ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል መምርሒ ፍቓድ መኪና ምምንጣልን ክሳብ 4 ሽሕ ክሮን ዝኸውን ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ምኽፋልን እዩ።