ቊጽሪ ናይቶም ፍቕድ መንበሪኦም ዘሐደሱ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ዝውሕድ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ
ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 50,000 ዩክሬናውያን ኣብ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ከም ዝተዋህቦም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም
ፍቓድ መንበሪኦም ዘሐደሱ ኣስታት 33,000 ከናውሕዎ መመልከቲ ምእታዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ ሽወደን ዝህልዎም
ጻንሖት ከናውሑ እንተደልዮም፡ እዚ መስርሕ ግድነታዊ ምዃኑ እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።
ምኽንያት ናይዚ ትሑት ቊጽሪ ምንዋሕ ፍቓድ መንበሪ፡ ሰባት ናብ ካልኦት ሃገራት ወይ ዩክሬይን ይኸዱ ብምህላዎም እዩ ክብል
ኤጀንሲ ሰደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ።